top of page

ብራይት ኢንቨስተርስ

ብዋናነት ኣብ ምዕባለ መንበሪ ኣባይቲ ንነጥፍ። ህንፃታት ብምስራሕ ንዓደግቲ ምሻጥ፥ ዝሽወጥ መሬትን ገዛን ብቴክኖሎጂ ተሓጊዙ ዓዳግን ሸያጥን ምርኻብ፥ ኹሉ ኢንቨስት ንክገብር ምሕጋዝን ውሽጣዊ ፅባቐ ገዛ ምስራሕን ካብቶም እንህቦም ግልጋሎታት እዮም።

Join us on mobile!

Download the app and join “Bright Investors” to easily stay updated on the go.

Scan QR code to join the app
Download on the App Store
Get it on Google Play

እንህቦም ግልጋሎታት

buildingHouse.webp
ምስራሕ መንበሪ ኣባይቲ

ኣብዚ ዘርፊ ዘለና ናይ ዓመታት ልምዲ ብዘለዉና ሰብ ሞያታት ተሓጊዝና ኣብ ነፍሲ ወከፍ እንሃንፆ ገዛ ዘይሃስስ ዓሻራ ብምቕማጥ ኣብ ዕብየት ዓድና ንረባረብ። እዚ ኣካል ፕሮጀክት ንብዙሕ ክፋል ሕብረተሰብና ካብ መዓልታዊ ሰራሕተኛ ጀሚሩ ክሳብ ኢንቨስተራት ብዙሕ ስራሕ ዕድል ዝፈጥር እዩ። ካብ ምጅማር ክሳብ ምዝዛም ሓደ ቪላ ወይ ኣፓርትመንት ኣርኪተክተራት፣መሃንዲሳትን ካልኦት ክኢላታትን ዝሳተፉሉ እንትኸውን ሙሉእ ጽንዓትን በጀትን ተገይርሉ ጊዜ ዘይስዕሮ ፅባቐን ጽሬትን ኣማሊእና ንሰርሕ።

buildingHouse.webp
ኢንቨስትመንት

ፋይናንሳዊ ዓወት ጉዕዞ ምዃኑ ንርዳእ ፣ ስትራተጂካዊ investment (ወፍሪ)  ድማ ናብ ዕላማኻ ዝመርሐካ ኮምፓስ እዩ። ምትእምማን ሰረት ናይቲ ምስ ዓማዊልና ዘሎ ርክብ እዩ።ኣብ ብራይት ኢንቨስተርስ ግሩፕ ኣብ ኩሉ መዳያት ኣገልግሎትና ግልፅነትን ተሓታትነተን ቀዳምነት ንህብ።ካብ መሓውር ክፍሊት ክሳብ ኣፈፃፅማ ኢንቨስትመነት ብዛዕባ ፋይናንሳዊ ጉዕዞኹም ንፁር ርድኢት ከምዘለኩም ነረጋግፅ።ዓወትኩም ዓወትና እዩ። ኣብ ምትእምማንን ቅንዕናን ዝተሃነፀ ሽረክነት ንምምዕባል ድማ ቃል ንኣቱ።

buildingHouse.webp
ውሽጣዊ ጽባቐ ገዛውቲ

ውሽጣዊ ጽባቐ ገዛውቲ ናብ  ምልኩዕን ምቾትን ዘለዎ ኣቀማምጣ ንቕይሮም። ከም ዉፉይ ናይ ውሽጣዊ ዲዛይን መሻርኽትኩም መጠን ንፅባቐ ዘለና ፍቐሪ ንዝርዝር ነገራት ፍሉይ ኣቃልቦ ብምሃብ ስብእናኩምን ባህግታትኩምን ዘንፀባረቕ ድዛይን ንሰርሕ።

buildingHouse.webp
ምሻጥ ገዛውትን መሬትን

ከም ሓደ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ መሪሕ ኣገልግሎት መሬትን ገዛን መጠን ካብ ኣለሻ ገዛን መሬትን ክሳብ ምውዳእ ውዕሊ ስሉጥ ጉዕዞ ነቕርብ።ትዕድጉ ፣ትሸጡ ወይ ኢንቨስት ክትገብሩ እትደልዩ ብራይት ኢንቨስተርስ ግሩፕ ናይ ኩሉ ግዜ መሓዛኹም እዩ።

ABOUT

ብዛዕባና

ብራይት ኢንቨስተርስ ከም ስሙ ኣብ ኢንቨስትመንት ብሩህ ዝኾነ ማሕበረሰብ ብምፍጣር ናይ ሓባር ተጠቃሚነት ንክህልዎ ዓሊሙ ዝተጣየሸ ብዓል ዓብዩ ራእይ ናይ ሪል ስቴትን ኢንቨስትመንትን ትካል እዩ።እዚ ብግዱሳት ፈተውቲ ዓዶም ድያስፖራ ተጋሩ ዝተጣየሸ ትካል ዘላቒ ምህዞ ከምኡውን ፅባቐ ብዘይ ገለ ፀገም ብምውህሃድ ሂወት ደቂ ሰባት ምችውን ዝቐለለን ንክኸውን ይሰርሕ። ኣብ ዓውደ ልምዓት መንበሪ ኣባይቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ባህጊ ዘመናዊ መነባብሮ ዝቃደው ማሕበረሰብ ንምፍጣር ጉዕዞ ጀሚርና ኣለና።  ራኢና ህንፃታት ምህናፅ ጥራሕ ኣይኮነን። መፃኢ መነባብሮ ሕብረተሰብና ሓፍ ኣብ ምባልን ምህናፅን ንኣምን። ንዝመፅእ ወለዶታት ሓምለዋይን ምቹውን ፅባሕ ንምርግጋፅ ፕሮጀክትና ካብ ግዜን ሓይልን ቆጣቢ ቴክኖሎጂታት ክሳብ ንከባቢ ዝምችዉ ንዋት ብምጥቃም ፤ ምስ ከባቢ ዝስማዕምዑ ምዕባለታት ንምፍጣር ንፅዕር። ትልምና ንኹሉ ትግራዋይ ዘማእኸለ ዘመናዊ ኣባይቲ ንምስራሕ ዝዓለመ እዩ።ኣብ BIG(Bright Investors group)  ዘለዉ ናይ ብዙሕ ዓመታት ልምዲ ዘለዎም ኣባላትና ናይ ሪል እስቴት ሕልሚ ኩሉ ትግራዋይ ንምዕዋትን ንምሕጋዘን ድልዋት እዮም። ኣብዚ ምህዞ ምስ ፅባቐ ዝራኸበሉን ሕልሚ ገዛ ዝገሃደሉን ጉዕዞ ተፀንበሩና።ብራይት ኢንቨስተረስ ሎሚ ናይ መፃኢ መንበሪ ዝስርሓሉ ዘመናዊ ናይ ሪል እስቴትን ኢንቨስትመንትን ትካል እዩ።

ብሩህ ኢንቨስትመንት ንብሩህ መፃኢ!

bright investors office view

2024

ብራይት ኢንቨስተርስ ስራሕ ዝጀመረሉ

ፕሮጀክትታት

CONTACT

Thanks for submitting!

bottom of page